ውድብ ምግቢ ዓለምን ካልኦት ትካላት ረዲኤትን ሰብኣዊ ሓገዛት ጽዒኖም ብቐጥታ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ መቐለን ሽረ እንዳስላሰን ክበሩ ምዃኖም ተፈሊጡ

Tigray related news and publications
Post Reply
africangear
Posts: 404
Joined: Fri Dec 11, 2020 5:07 pm

ውድብ ምግቢ ዓለምን ካልኦት ትካላት ረዲኤትን ሰብኣዊ ሓገዛት ጽዒኖም ብቐጥታ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ መቐለን ሽረ እንዳስላሰን ክበሩ ምዃኖም ተፈሊጡ

Post by africangear »

WFP-cargo-Tigray.jpg
ሰነ 30/2013 ዓ/ም (ራድዮ ወጋሕታ ትግራይ)

ውድብ ምግቢ ዓለም "WFP"ን ካልኦት ትካላት ረዲኤትን ንዓለም ለኸ መዕረፎ ነፈርቲ መቐለን ሽረ እንዳስላሰን ቀጥታ ኣገልግሎት መጎዓዝያ ነፈርቲ ከምዝጥቀሙሉ ተሓቢሩ።

እንተኾነ እቲ ናብ ከተማ መቐለን ሽረ እንዳስላሰን ዝግበር በረራ ትካላት ረዲኤት፡ መበገሲኤን ካብ ዓለም ለኸ ብቀጥታ ናብ ትግራይ ድዩ ወላስ? ብትራንዚት ካልኦት መዕረፎ ነፈርቲ ኢትዮጵያ ክጥቀሙ ዝብል ዝተነፀረ ነገር የለን።

ማሕበረሰብ ዓለም፡ ኣብ ትግራይ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ንዝደልዩ ወገናት ሓገዝ ንምብፃሕ ንትግራይ ዝኣትው መንገድታት ንትካላት ረዲኤት ክፍቲ ንክኸውን ጻዊዒት ክገብሩ ጸኒሖም ኣለዉ።

መንግስቲ ትግራይ ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ኣብ ዘውጽኦ ቅድመ ኩነት እቲ ሓደ ቀጥታዊ መጓዓዝያ ኣየር ኣብ ትግራይ ናብ ዝርከቡ ማዕርፎ ነፈርቲ ክግበር ኣለዎ ዝብል ከምዝነበሮ ይዝከር።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ሎሚ መግለጺኡ ናብ ትግራይ በረራ ክገብሩ ፈቒደ ኣለኹ ዋላ’ኳ እንተበለ እቲ ሓቂ ግን ወተሃደራዊ ብልጫ ሰራዊት ትግራይን ጸቕጢ ዓለም ለኻዊ ማሕበረሰብ ከምዝኾነን’ዩ ዝግለጽ።


Post Reply