ወፍሪ ጅግና ተጋዳላይ ስዩም መስፍን!
Posted: Thu Feb 11, 2021 10:14 am
ወሃቢ ቃል ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ተጋዳላይ ገብረ ገብረፃድቅ ከም ዝሓበሮ . 2 ወፍሪ ጅግና ተጋዳላይ ስዩም መስፍን ከምዝተኻየደ ሓብሩ ኣሎ ::
1ይ ወፍሪ ጅግና ተጋዳላይ ስዩም መስፍን!
ብዕለት 01 - 06 - 2013 ኣብ ቆላ ተንቤን ኮይኑ ኣብ መጋጥም ተከዘን ወርዕን ፍሉይ ቦታ ጅዋማርዋ እዩ ተኻይዱ:
አብዚ ቦታ ዝተሰለፈ ኮማንዶ ሓይሊ ሻለቃ ካልኣይ ብርጌደ ካልኣይ ሻለቃ ምሉእ ብምሉእ ተደምሲሱ ኣሎ ::
ክሳራታት ፀላእ ብሓይሊ ሰብ እንትረአ .
128 ምዉታት
59 ቁሱላት
12 ምሩኻት
ከምኡ ውን ዝተማረኹ ኣፅዋራት እንትንርኢ.
21 ስናይፐር
63 ክላሽን
6 ዶሽካ
4 በሬን
4 ሬድዮ ርክብ
3 ሞርታል
ከምኡ ውን መጠኑ ብዙሕ ዝኾነ ጠያይትን ወታደራዊ ናውትን ተማሪኹ ኣሎ :: ነዚ ሓይሊ ከድሕን ካብ ፀለምቲ ተሃንዲዱ ዝመፀ ሓይሊ ፀላኢ
ኣብ መንገዲ ብሰራዊት ትግራይ ተፀፊዑ ተመሊሱ ኣሎ::
2ይ ወፍሪ ተጋዳላይ ስዩም መስፍን
02 - 06 - 2013 ኣብ መንጎ ተንቤን ዓብይ ዓዲን ጉያን ኮይኑ ኣብ ጣብያ ስምረት ፍሉይ ቦታ ዓዲ ጭሎ እዩ::
ዝተሰለፈ ሓይሊ ፀላኢ
ክፍለ ሰራዊት 11
ክፍለ ሰራዊት 22
2ይ ብርጌድ ኮማንዶ
ከምኡ ውን ወራሪ ሰራዊት ኤርትራ ተሰሊፎም ኔሮም ::
ኣብዚ ውግእ ዝተረኽበ ዓወት
358 ምዉታት
150+ ቁሱላት
ዝተማረኸ ኣፅዋር
49 ክላሽን
8 ስናይፐር
5 ብሬን
4 ዶሽካ
10 ሬድዮ ርክብ 11A ዝዓይነተን
3 ሓርሽ
ካልኦት ማእከላይ ሬድዮን
ዝተቃፀለ ኣፅዋር ፀላእ ድማ ..
5 ታንክታት
177 ሮኬታት
5 ካሶኒ ኦራል
2 ዙ23
2. ፓትሮል
1. መኪና
1. ናይ ነዳዲ ቦቴ
1 ባስ
ጠቅላላ ኣብዘን 2 መዓልቲ እዚ ኣብ ላዕሊ ዘርዚረዮ ዘለኹ ዓወታት ከምዝሓፈስና ወሃብ ቃል ሰራዊት ትግራይ ገብረ ገብረፃድቅ ገሊፆሙልና ኣለው ::
ተወሳኺ ተጋዳላይ ገበረ ከምዝመስከሮ መንእሰያት ትግራይ ብደንጎላ ገጢሞም 17 ሰራዊት ፀላኢ ቀትሎም ነበረት ፀላእ ዝማረኹሉ ኣጋጣሚ ገሊፁ ኣሎ ::
ፅሑፍ. ጎይቶኦም ..
ትግራይ ትዕወት ::