ሰራዊት ትግራይ ብወፍሪ ኣሉላ ኣባነጋ ሎሚ ሰንበት ኣብ ዝፈነዎ መጥቃዕቲ ክልተ ክፍለ ሰራዊትን ሰለስተ በርጌድን ጸላኢ ሙሉእ ብሙሉ ከምዝደምሰሰ ወሃቢ ቃል ሰራዊት ትጋርይ ንራወት ሓቢሩ
-
- Posts: 404
- Joined: Fri Dec 11, 2020 5:07 pm
ሰራዊት ትግራይ ብወፍሪ ኣሉላ ኣባነጋ ሎሚ ሰንበት ኣብ ዝፈነዎ መጥቃዕቲ ክልተ ክፍለ ሰራዊትን ሰለስተ በርጌድን ጸላኢ ሙሉእ ብሙሉ ከምዝደምሰሰ ወሃቢ ቃል ሰራዊት ትጋርይ ንራወት ሓቢሩ
ሰራዊት ትግራይ ብወፍሪ ኣሉላ ኣባነጋ ሎሚ ሰንበት ኣብ ዝፈነዎ መጥቃዕቲ ክልተ ክፍለ ሰራዊትን ሰለስተ በርጌድን ጸላኢ ሙሉእ ብሙሉ ከምዝደምሰሰ ወሃቢ ቃል ሰራዊት ትጋርይ ንራወት ሓቢሩ።
-------------------------------------------
እቲ ካብ ዓርቢ ዝጀመረ ብወፍሪ ኣሉላ ኣባነጋ ዝተሰየመ ኣብ ልዕሊ ወርርትን ጸላእትን ህዝቢ ትግራይ ዝፍኖ ዘሎ መጥቃዕቲ ሎሚ ሰንበት እውን ኣብ ከባቢ ግጀት ዓዲ ቕሽር ኣረፋፊዱ ጀሚሩ ዝቐጸለ እንትኾን ዛጊድ ካብ ናይ ጸላእቲ ንኽፍላተ ሰራዊት 11ን 31ን ሙሉእ ብሙሉእ ዝደምሰሱ እንትኾን ካብ ክፍለ ሰራዊት 32 ሓደ እግረኛ ብርጌድ፣ ከምኡ እውን ካልእ ድጋፍ ወሃቢ ሓደ ብርጌድ ሙሉ ብሙሉእ ተደምሲሶም እዮም። ካብ ክፍለ ሰራዊት 21 ድማ ሓደ እግረኛ ብሰራዊት ትግራይ ከምዘይነበረ ክኾን ከምዝተገብረ ወሃቢ ቃል ሰራዊት ትግራይ ገብረ ገብረፃዲቕ ንራድዮ ወጋሕታ ትግራይ ገሊጹ። ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ድብያ ብድምር ክልተ ክፍለ ሰራዊትን፣ ሰለስተ በርጌድን ሰራዊት ኢትዮጵያ ሙሉእ ብሙሉእ እንትድምሰሱ ካልኦቶም ድማ ብኽፋል ተደምሲሶም እዮም።
ኣብቲ ብሽም እቲ ብደረጃ ኣፍሪካ ዝፍለጥ ስሙይ ተዋጋይ ኣሉላ ኣባ ነጋ ዝፍኖ ዘሎ መጥቃዕቲ ሕነ ምፍዳይ፣ ኣብ ቅድሚ ሰራዊት ትግራይ ንውግእ ዝቐረቡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሸውዓተ ክፍለ ሰራዊትን፣ ብወገን ሰራዊት ኤርትራ ድማ ‘’ተወርዋሪ’’ ተባሂሉ ካብ ዝፅዋዕ እዚ ዝተወሰኑ ክፍላተ ሰራዊትን እዮም። ብወገን ፀላኢ ዝተሰለፉ ክፍለ ሰራዊታት 11, 20, 21, 24, 25, 31, 32 እዮም።
ኣብቲ ብፍፁም ብቕዓትን ጅግንነትን ሰራዊት ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኮሎኔል ሑሴን ዝተባህለ ዋና እዛዚ ክፈለ ሰራዊት 11 ተማሪኹ ኣብ ኢድ ቁፅፅር ሰራዊት ትግራይ ኣትዩ ከምዘሎ እውን ገብረ ገብረፃዲቕ ገሊፁ። ኮሎኔል ሑሴን ካብ ሰራዊት ትግራይ ከምልጥ ብዙሕ ርሕቐት እኳ እንተጎየየ፣ ኣብ መወዳእትኡ ግን ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ብኢዶም ክሕዝዎ ኪኢሎም እዮም። ምስቲ ዝተማረኸ ዋና ኣዛዚ፣ ልዕሊ 1300 ኣባላት ሰራዊት እቲ ፋሽሽታዊ ስርዓት ኣብይ ከምዝተማረኹ እውን እቲ ወሃቢ ቃል ወሲኹ ሓቢሩ።
ብተወሳኺ ድማ ካቶም ብኽፋል ዝተደምሰሱ ክፍለ ሰራዊታት ሓደ ዝኾነ ክፍለ ሰራዊት 24 ዝተባህለ ክልተ ሲሶ ሓይሉ እንትድምሰስ፣ ክፍለ ሰራዊት 21 ፍርቂ ሓይሉ፣ ክፍለ ሰራዊት 25 ድማ ዳርጋ ፍርቂ ሓይሉ ክጠፍእ ተገይሩ እዩ። እቲ ተዓሲቡ ዝመፀ ሰራዊት ኤርትራ እውን ንሓገዝ ኣትዩ እኳ እንተነበረ ከቢድ ስዕረትን ኪሳራን ይበፅሖ ኣሎ ክብል እቲ ወሃቢ ቃል ይገልፅ።
ዛጊድ ዝተማረኹ ኣፅዋራትን ወታደራዊ ንብረታትን ድማ 122 ሚሊሜትር ዝዓይነቶም 14 መዳፍዕ፣ 82 ሚሊሜትር ዝዓይነቶም 10 ሞርታር ፣ 120 ዝዓይነቶም ሰለስተ ሞርታር፣ 7 ዙ 23 ፣ ልዕሊ 60 ዓበይትን ኣናእሽቱን ሬድዮታት፣ ልዕሊ 80 ዝተፈላለየ ዓይነት ዘለዎን መኻይን፣ ከምኡ እውን ብዙሓት ድሽቃታትን ማእከላይ ብረትን በኣሽሓት ዝቑጸር ፎከስቲ ብረታት ፣ ብቑፅሪ ዘይግለፅ ድማ ጠያይትን ብዝሕ ዝበለ ወታደራዊ ንዋትን ዝተማረኸ ምዃኑ ገብረ ገብረፃዲቕ ዕላዊ ገይሩ።
እቲ ውግእ ሕዚ እውን ይቕፅል ስለዘሎ ናይ ኩሉ ዝርዝር ንዝህብና ኣብ ቀረባ ክነቕርብ ኢና ዝበለ እቲ ወሃቢ ቃል፣ ብዙሓት ኮሎኔላት ኣዘዝቲ ክፍላተ ሰራዊት ይማረኹ ከምዘለዉ፣ ናይተን ዝተደምሰሳ ክፍላተ-ሰራዊት ዋና ኣዘዝቲ ግን ምስ ሙሉእ ኮሚቲኦም ሓቢሮም ከምዝተቐተሉ ወሲኹ ሓቢሩ።
ኣብ መወዳእታ ድማ ወታደራዊ ሓበሬታ ካብ ወሃብቲ ቃል ሰራዊት ትግራይ ጥራሕ ዝፍኖ ምዃኑ ዝሓበረ፣ እቲ ወሃቢ ቃል፣ ሓይሊ ምክልኻል ትግራይ እንተይኮነስ ሰራዊት ትግራይ እናተባህለ ክጽሓፍን ክዘረብን እውን ኣተሓሳሲቡ። ኣርሚ ሓደ፣ ኣርሚ ክልተ፣ ወዘተ እናተባህለ ዝዝረብ ዘሎ እውን ስሕተት ምዃኑ ንራድዮ ወጋሕታ ትግራይ ኣብራህሪሁ።
https://www.facebook.com/AxumiteMedia1/