Page 1 of 1

በርቃዊን ደምሳሳይን ዝኾነ ወፍሪ ኣሉላ ኣባነጋ ብዓወት ተዛዚሙ

Posted: Sun Jun 27, 2021 7:46 am
by africangear
ኣዛዚ ሰራዊት ትግራይ ተጋዳላይ ታደሰ ወረደ
ኣዛዚ ሰራዊት ትግራይ ተጋዳላይ ታደሰ ወረደ
ብዕለት 16 ሰነ 2013 ኣ.ግ ዝተጀመረ መቐፀልታ ወፍሪ ኣሉላ ኣባነጋ ዝኾነ መጠነ ሰፊሕ በርቃውን ደምሳሳይን መጥቃዕቲ ጅግና ሰራዊት ትግራይ ን4 መዓልትታት ዝኣክል ፅንዓትን ጅግንነትን ሰራዊት ትግራይ ጎሊሁ ዝተረኣየሉን ህልክኻ ዘውድእን ሰፊሕ መጥቃዕቲ ካብ ዓብይ ዓዲ ተበጊሱ : ኣግበ : ሸውዓተ ሕጉም : የጭላ ክሳብ ፊናርዋ ዝተንቀሳቐሰ ሓይሊ ፀላኢ ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝተደምሰሰ ወታደራዊ ወሃቢ ቃል ሰራዊት ትግራይ ተጋዳላይ ገብረ ገ/ፃድቃን ሓቢሩ::

በዚ መሰረት መበል 23 : 24 : 25 ክፍላተ ሰራዊት ከምኡ እውን 1 ብርጌድን 2 ቦጦሎኒን መበል 12 ክፍለ ሰራዊት : ነቲ ሰራዊት ክሕግዝ ዝመፀ ወራሪ ተስፋሕፋሒ ሓይሊ ክልል ኣምሓራን ፋኖን ኣብ ዝሓለፈ መጥቃዕቲ ዝተደምሰሰ ተረፍ መረፍ መበል 31 ክፍለ ሰራዊትን : ነዚኦም ክሕግዝ ካብ ሱሉልታ ብላሊበላ ኣቢሉ ዝመፀ 1 ኮማንዶ ብርጌድን ንወገን ዘኹርዕን ዘሕጉስን ንፀላኢ ድማ ቅስሙ ብዝሰብር መንገዲ ነቲ ናይ ፀላኢ ሓይሊ ሙሉእ ብሙሉእ ብምድምሳስ ብኣንፃባራቒ ዓወት ምዝዛሙ ወታደራዊ ወሃቢ ቃል ሰራዊት ትግራይ ኣፍሊጡ ኣሎ::

እዚ መስተንክራዊ ስርሒትን ድሙቕ ዓወትን ሓየት ሰራዊት ትግራይ ግፍዒ ሰሪሕኻ ካብ ትግራይ ምምላጥ ከምዘየለ : መሬት ትግራይ ረመፅ ከምዝኾነትን ዘረጋገፀ እዩ:: ናይዚ ኹሉ ዝርዝር ሓበሬታ ብቐፃሊ ከምዘፍልጥ ወታደራዊ ወሃቢ ቃል ሰራዊት ትግራይ ሓቢሩ ኣሎ::

ዓወት ንህዝቢ ትግራይ!
ትግራይ ትስዕር!