ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ወረዳ ኢሮብ፡ ኣብ ሓደ ሰሙን ጥራይ ልዕሊ 65 ሰለማውያን ሰባት ከምዝረሸኑ ተገሊጹ
Posted: Wed Jun 30, 2021 9:37 am
ወረርትን ተስፋሕፋሕቲ ሓይልታትን ከምቲ ኣብ መላእ ትግራይ ዝገብርዎ ኣብ ወረዳ ኢሮብ እዉን ኣንሽቲ ደፊሮም፣ መናእሰይ ቀቲሎም፣ ቅርስታት ሰሪቆምን ኣዕኒዮምን፣ ቤተ እምነት ኣራኺሶምን ጥሪትን ሃፍትን ከምዝሓረዱን ከምዝዘመቱን ገሊፁ።
ብፍላይ ኣብ ኣብ ከባቢታት ካልዓሳ፣ ጋማዳ፣ ኣዎ፣ ዓጋራለ፣ እንዳ ሞሳን ካልኦትን ኣብ ሓደ ሰሙን ጥራሕ ልዕሊ 65 ሰለማውያን ሰባት ብሰራዊት ኤርትራ ከምዝተቐተሉን ቁፅሮም ዘይፍለጥ መናእሰይ ከምዝተጨወዩን ኣረጋጊፁ።
ሰራዊት ኤርትራ ነዞም ሰለማውያን ሰባት ድሕሪ ምቕታሎም ድማ ስድራ ሙዉታት ሬሰኦም ከይወስዱ ብምግባር ድራር ኣራዊት ክኾኑ ከምዝገበሩ እቲ መግለፂ ሓቢሩ።
ሰራዊት ኤርትራ ንዓመታት ከም ማሕበረሰብ ዝነበሮ ኢሮባዊ ስነ ልቦና፣ ማሕበራዊ ረክቡን ባህላዊ ክብርታቱን ኣፍሪሶም ሓዱሽ ሽምን መንነትን ብሓይሊ ክህብዎ ክሳብ ናይ ኤርትራ መለለዪ ታሴራ ምዕዳል ሐዚ እውን ብሓይሊ ኤርትራዉያን ኢኹም እናበሉ ህዝብና የሳቕዩ ኣለው ክብል ኢሮብ ኣኒና ሲቪል ማሕበረሰብ ኣረዲኡ።
ብተወሳኺ ድማ እቲ መግለፂ፡ ህዝቢ ኢሮብ ብቑፅሪ ዉሑድ ብምዃኑ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ብዝፀንሐ ቑፅሪ ናይ ህልዉንኡ ኩነታት ኣብ ሓደጋ ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ ክብል እዉን ኣጠንቂቁ ኣሎ።
ስለዝኾነ ህዝቢ ኢሮብ ከም ዉሑድ ህዝቢ መንነቱን ባህሉን ዓቂቡ ንኽነብር ብሑቡራት መንግስታት ይኹን ብካልኦት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ፍሉይ ጠመተ ክወሃቦ ኢሮብ ኣኒና ስቪል ማሕበረሰብ ፃዉዒት ኣቕሪቡ።
ኣብ ድሮ ዓወት ንዘሎ ህዝቢ ትግራይ እኳዕ ኣሐጎሰካ ብምባል፡ ኩሎም ወረርቲ ሓይልታት መሊኦም ካብ ኩለን ከባቢታት ትግራይ ወፅዮም ሙሉእ ዓወት ኣብ ቀረባ ተረጋጊፁ ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ፍትሕን ከምዝረክብ ድማ ፍፁም ኣይንጠራጠርን ክብል ኢሮብ ኣኒና ስቪል ማሕበረሰብ ኣብ ዘዉፅኦ መግለፂ ገሊፁ።
ኣብ መወዳእታ ሰራዊት ኤርትራን ኩሎም ወረርቲ ሓይልታትን ካብ ኩሉ ቦታታት ትግራይ ብህፁፅ ክወፁኡ፣ ኩሉ መዳያዊ ሰብኣዊ ሓገዛት ንህዝብና ብህፁፅ ዝበፅሑሉ ኩነታት ክመዓራረ፣ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ምፅናት ዘርእን ኩለመዳያዊ ገበናት ዂናትን ኣንፃር ሰቦኣዊነትን ብዘይሻራዊ ወገን ተፃርዩ ህዝቢ ትግራይ ፍትሒ ኽረክብ፣ ህዝቢ ትግራይ መፃኢ ዕድሉ ዝዉሰነሉን ሙሉእ ዓርሰ ዉሳነኡ ዘረጋገፀሉን ኩነታት ንክመቻቸወሉን ንሓትት ክብል ኣተሓሳሲቡ።