Page 1 of 1

ግፍዒ ተስፋሕፋሒ ሓይሊ ኣምሓራ ኣብ ኣላማጣ

Posted: Mon Aug 02, 2021 7:22 am
by africangear
ብጌታቸው ኣረጋዊ (ውራይና)
ካብ ኣላማጣ

ህንፉፍ፣ ወራሪ፣ ቐታሊን ጉሒላን ተስፋሕፋሒ ሓይሊ ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ንፁህ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ክብሩ፣ ህይወቱን ንብረቱን እናብፅሖ ዝመፀ በደል መቐፀልታ ዝኾነ እከይ ተግባሩ ኣብ ከተማ ኣላማጣ'ውን ኣብ ድሮ ተፀፊዑ ዝወፀሉ ቕነ ፈፂምዎ ኣሎ።

ካብ 23ን 24ን ሰነ ጀሚሩ ክሳብ እታ ብጅግና ሰራዊት ትግራይ ሕርሕራይ ተፀፊዑ መሬትና ዝለቐቐላ ሓምለ ሓሙሽተ፤ ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ተጋሩ መቕተልቲ፣ ምፍንቓል፣ ንብረት ዘረፋን ወረራን ኣካይዱ፤ ኣብ ናይ ህዝብን መንግስትን ንብረት ድማ ምቅፃልን ዘረፋን ፈፂሙ እዩ።

ዝርዝር ናይቶም በደላትን ግፍዕታትን ብዝምልከቶ ኣካል ብዝግባእ ተፃርዩ ዝቐርብ ኮይኑ፤ ብወገና ካብቶም በደል ዝበፅሖም፤ ማለት ዝተቐተሉ፣ ንብረቶም ዝተዘመቱ፣ ዝተወቕዑ፣ ዝተፈራርሑን ዝተፈናቐሉን ወገናት ተዓዚብና፣ ሪኢናን ኣዘራሪብናን ከምዝተረዳእናዮ፤
  • ብኣንፈት መኾኒ ናብ ከተማ ኣላማጣ እንትኣቱ ኣብ እትርከብ ጋርጃለ እትብሃል ከባቢ፤ ኣቕሽቲ ሓዊሱ ንፁሃት ሰላማውያን ሰባት ቀቲሉ፤
  • ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ከተማ ኣላማጣን ኣብ ውሽጡ ዝነበሩ ኩሎም ኣብያተ ዕዮታት እታ ከተማን ዝነበረ ንብረት ዘሪፎም፤ ዝተረፈ ሰነድን ካሊእን ምስ ህንፅኡ ምሉእ ንሙሉእ ኣቃፂሎምዎ እዮም።
  • እዙይ ዝገበርሉ ዕለት ሓሙሽተ ሓምለ ኣብ በሪ ተኽላይ፣ ተኦን ጋርጃለን ዝብሃሉ ቦታት ኣብ ዓውደ ውግእ ተዳዒኹ ምስተደምሰሰን ምስተበታተነን እዩ። ኣብተን ዝተጠቐሳ ዓውደ
    • ውግኣት ገጢሙ ዝነበረ ፀላኢ መበል 32 ሰራዊት ፋሽሽቲ ኣብዪ ኣሕመድ እንትኾን፤ ኣብቲ ዕለት ኣብ ኮረምን ባላን ፋኖን ፍሉይ ሓይሊን ኣምሓራ ውግእ ገጢሙ ስዕርቱ ተጎሊቢቡ፤
    ብኣሽሓት ሞይቱ ዝተረፈ ድማ ሃዲሙ ብርከይ ኣውፅእኒ ተበቲኑ እዩ። እዙይ እንትኾን እዩ እምብኣር ዝቐተለን ዘቃፀለን።
  • እዚ ዕሉል ጨካን መድሐርሐሪ ተስፋሕፋፊ ሓይሊ ሓምሓራ፤ ንቱ ልሙድ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍፅሞ ግፍዒ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ኣላማጣ እውን ካብ 23 ሰነ ጀሚሩ ገዛ ገዝኦምን ኣብ ስራሕ ቦተኦምን እንዳዞረ፤ ብለይትን ብፀሓይ ቀትርን፤ ንብረቶምን ሸቐጣቶምን ብመንግስታዊ መኪና ክልል ኣምሓራ እንዳፅዓነ ወሲድዎ እዩ።
  • ኣብ ዕዳጋ ኣላማጣ ሓባራዊ መስርሒ ቦታ (ሼድ) ተዋሂብዎም ዝተዳለወ ክዳውንቲ ዝሸጡ 30 ኣባላት ዘለዉዋ ፋና ዝተብሃለት ማሕበር፤ ንብረቶም ሙሉእ ብሙሉእ ብፋኖን ፍሉይ ሓይልን ኣምሓራ ተዘሪፉ ተፃዒኑ ተወሲዱ እዩ። እቶም 30 ሰባት ነብሲ ወከፎም ኣስታት 400 ሽሕ ቅርሺ ዝግመት ንብረት ነይርዎም። ብሓባር እንትድመር ኣስታት 12 ሚልዮንማለት እዩ።
  • ኣብ ማእኸል ከተማ ኣላማጣ ኣብ ጥቓ እታ ኣደባባይ መዝወሪት ዘለው ዓበይቲ እንዳኽዳውንቲ (ቡቲካት)፣ መሸጢ ሞባይላት፣ እንዳምግብን መስተን ሸቐጣሸቐጠን፤ ብዕሊ ብፀሓይ ቀትሪ ተዘሪፎም እዮም።
  • ተስፋሕፋሒ፣ ቐታሊ፣ ወራርን ጒሒላን ሓይሊ ኣምሓራ (ማለት ፋኖ፣ ፍሉይ ሓይልን ምልሻን) እዚ ፍኑው፤ ስድን ፀረሰብን ተግባሩ ልሙድ መግለፂኡ እኳ እንተኾነ፤ ኣብቲ "ዓደይ እዩ" ዝብሎ ደቡብ ትግራይ፤ ዓዱ ንምዃኑ እምነት ስለዝሰኣነን፤ ካብቲ ፀረ ህዝብን ወራርን ባህሪኡ ብዝምንጩን፤ ተጋሩ መሬትና ተወሪርና ከምዘይንነብር ስለዝፈለጠን እዩ፤ መወዳእትኡ ናብ ፍንው ስርቅን ምቅፃልን ዝኣተወ።
ሓላፊ ውዳበን ፕሮፖጋንዳን ከተማ ኣላማጣ ዝኾነ ተጋዳላይ ሞጎስ " ንሕና ሓሙሽተ ሕዳር ካብዚ ከተማ እንትንወፅእ፤ ዋላ ሓንቲ ዘልዐልናያ ይኹን ዘቃፀልናያ ንብረት ኣይነበረትን። ምኽንያቱ ዓድና ምዃኑን ተመሊስና ከም እነመሓድሮን ስለእንፈልጥ፤ እዞም ወረርትን ተስፋሕፋሕትን ግን፤ ተግባሮምን ዓቕሞምን ስለዝፈልጡ እዮም 5 ሓምለ ብሰራዊት ትግራይ ተፀፊዖም እንትወፁ ዘሪፎምን ኣቃፂሎምን ዝወፁ" ይብል።

ፀላኢ ተፀፊዑ እንትበታተንን እንትሃድምን ዓንፃ ዓንፆ ንማዕፆ ከምዝብሃል፤ ሰቦም ዝተቐተሎም፣ ንብረቶም ዝተዘረፎምን ዝተፈናቐሉን ነበርቲ ኣላማጣን ከባቢኣን ዳርጋ ኩሎም ዝሓትዎ፤ በደለኛታት ናብ ሕጊ ቀሪቦም ተሓተትቲ ንክኾኑ እዩ:፡ እዙይ እዮም ሕጋዊ መንግስቶም መንግስቲ ትግራይ ክገብረሎም ዝፅበዩ።

ዝምልከቶም መንግስታዊ ኣካላት ከተማ ኣላማጣ ድማ፤ እዙይ ብዝምልከት ሰፊሕ ምፅራይ እንዳገበሩ ምዃኖምን ካብ ተሕታትነት ዘምልጥ በደለኛ ከምዘየለን ይገልፁ::