ጅግንነታዊ ተግባር መራሕቲ ሃይማኖታት ትግራይ

Post Reply
africangear
Posts: 404
Joined: Fri Dec 11, 2020 5:07 pm

ጅግንነታዊ ተግባር መራሕቲ ሃይማኖታት ትግራይ

Post by africangear »

ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ፤ ምስዞም ኢኣማንያን ኣረመነታት "ሽማግለ" ሽዋ ንመቐለ ከም ዘይኸዱ ሓበሬታ ኣሎ! ከይዶም እዮም ኢሎም ሓሶት ዝነዝሑ ሚዲያታት ሽዋን ባንዳታትን እዮም::

እኒ ሃይለ ገብረስላሰ ካርዲናል ብርሃነን ሓጂ ሙፍቲን መሪሖምዎ መቐለ ዝኣተወ ኢኣማንያን ኣረመነታት "ሽማግለ" ሽዋ፤ ፈለማ መሬት ትግራይ ምስረገፀ፤ ብመራሕቲ ሃይማኖታት ትግራይ ተነፂጉ፤ ውጉዝ ከምኣሪዮስ ኮይኑ ኣሎ!

እዙ ጉጅለ ገበነኛታት፤ ቀትሪ መቐለ ምስኣተወ ኣብ ፕላኔት ሆቴል ምስ መራሕቲ ሃይማኖታት ትግራይ ክራኸብ ተመንዩዎ ዝነበረ ኣኼባ፤ ብኹሎም መራሕቲ ሃማኖት ትግራይ ተነፂጉ ኣሎ:: መራሒ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ሃገረ ስብከት መቐለ ሊቀ ጳጳስ ኣቡነ ኢሳያስ፤ ምስ መራሕቲ ሃይማኖት እስልምና ካቶሊክን ፕሮቴስታንትን ትግራይ ኩሎም፤ ኣብዙ ሸርሒ ፀላእቲ ዘለዎ ኣኼባ ጥራሕ እንተይኮነስ፤ ምስዞም ኢኣማንያን ዘራኽበና የለን ብዝብል ውሳነ፤ ናብ ፕላኔት ሆቴል ዝተገበረሎም መፀዋዕታ ብምንፃግ፤ ንዙ ውዲት ሽዋ ብሐዚኡ ኣፍሺሎም ምስ ህዝቦም ተሰሊፎም ኣለዉ::

ንፅባሕ ዝፈሓሱዎ ሸርሒ ንምፍሻል ድማ፤ ዝከኣል ኩሉ ክግበር ኣለዎ! ህዝቢ መቐለን ከባቢኡን፤ ጅግንነታዊ ተግባር መራሕቲ ሃይማኖቱ ስዒቡ፤ ካብ ፅባሕ እንተኽኢሉ ተቓውምኡ ክገልፅ እምበር፤ ኣብ ዝኾነ ይኹን ውዲት ፀላኢ ክሳተፍ የብሉን:: ኩልና ብዘለና መሓውር ምስ ህዝብና ንደማመፅ! ትግራይ ትስዕር!

#ካሳ_ሃይለማርያም


Post Reply